ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውድታት ግብርናን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውድታት ግብርናን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውድታት ግብርናን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ ምስ ሚኒስትር ማሕበራዊ ዕቤት፣ደገፍ ቤተሰብን ቅነሳ ድኽነትን ብራዚል ዌሊንግተን ዲያስ ዘትዮም።
እቲ ዘተ ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውድታት ግብርናን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሳለጡ ስራሕቲ ምምዕባል ግብርና፣ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ፣ፕሮግራም ምገባ ተምሃሮን ካልኦትን ከምኡ እውን ዝተረኸበሎም ውጽኢትን ገለፃ ገይሮም።
ሚኒስትር ዌሊንግተን ዲያስ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ትምህርቲ ዝውሰደሎም ከምዝኾኑ ገሊፆመ።
ብራዚል ድኽነት ኣብ ምቕናስን ጥሜት ኣብ ምቅላስን ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገበት ብምሕባር፤ ድኽነት ንምቕናስን ጥሜት ንምቅላስን ኣብ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዓውድታት ግብርናን ውሕስና ምግብን ከምኡ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምፅዋር ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።