አብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ወርሓት ብዲጂታል ኣማራፂታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ- ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ወርሓት ብዲጂታል ኣማራፂታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ተፈፂሙ- ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ
አዲስ አበባ/ታህሳስ /30/2017(ኢዜአ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዲጂታል ኣማራፂታት 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።
አብ እዚ እዋን 79 ሚኢታዊ ስርሓቲ ዝውውር ገንዘብ እቲ ባንክ ብአማራፂታት ዲጂታል ይሳለጡ ምህላዎም እቲ ባንኪ ገሊፁ፡፡
ዓማውል ዲጂታል ባንኪንግ ናብ ጨንፈራት ባንክ ምኸያድ ትፅቢት ከይተገበረሎም ብኢድ ስልክን ካርድን ተጠቒሞም አገልግሎት ናይ ምርካብ ዕድሎም ጡጡሕ እዩ፡፡
ዳይሬክተር ዲቪዥን መርቻንትን ኤጀንት ማኔጅመንትን ዲጂታል ባንኪንግ እቲ ባንኪ ብሌን ሃይለሚካኤል ከምዝበልዎ÷ እቲ ባንኪ 30 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሲቢኢ ብርን 9 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ኣለዉዎ።
ካብዚ ብተወሳኺ 21 ሚሊየን ካርድ ባንኪንግን ልዕሊ 4 ሺሕ ፖስ ማሽንን ተጠቀምቲ ከምዘለዉዎ ገሊፆም፡፡
በዞም ዲጂታል ኣማራፂታት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዱሽተ ኣዋርሕ 910 ሚሊየን ዕድጊታት ከምዝተሳለጡ ኣብሪሆም።
በዚ ድማ 5 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ዝውውር ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 79 ሚኢታዊ ዝውውር ገንዘብ እቲ ባንኪ ብዲጂታል ኣማራፂታት ከምዝውገን ተዛሪቦም፡፡
እቲ ባንክ ንአማራፅታት ዲጂታል ንምስፋሕን ሓደሽቲ አገልግሎታት ዲጂታል ንምቐራብ እናሰርሐ ምኹኑ እቶም ዳይሬክተር አፍሊጦም ፡፡