ሁራ ሰለስተ ኣብ ቅነ በዓል ልደት አብ ከባቢታት ኣፅቢን ወንበርታን






 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/28/ 2017 /ኢዜአ/ሁራ ሰለስተ፥ ኣብ ከባቢታት ኣፅቢን ወንበርታን ብኣብዛሓ ዝፍለጥን ዝፅወትን እዩ።

ብዝተፈላለየ ቅድን ውቅዒትን እቲ ፀወታ ይካየድ ሁራ ሰለስተ ኣብ ኣፅቢን ወንበርታን ብፍሉይ ድማ ትሸዓንተ ዓዲ ዳራ፣ 33 ዓዲ ኣፅቢ፣ 12 ዓዲ ወንበርታ ዝፅወት (ዝርገፅ) ባህላዊ ትውፊት እዩ።

ሁራ ሰለስተ፥ ካብ ኣፅቢን ወንበርታን ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ ከባቢታት ዓደቀሳንድድ፤ ኣብ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ድማ ኣብ ከባቢታት ጒላ፣ ኣበንዓ፣ ሓዊለን ራዕይለን እውን ብስፍሓት ይፅወት።

ሁራ ሰለስተ ዓበይቲን መናእሰያትን ዝሕጎስሉ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪካዊን ሙዚቃን ስዕሲዒትን እውን እዩ።

እዚ ፀወታ ኣእጋር በቢቅደም ሰዓቦም ምስ መሳዕስዕትኻ (ሁራ መራግፅቲኻ) ብማዕረ ብምልዓልን ብምዕራፍን ዝፅወት እዩ።

ብርብር(ውርውራይ) በትሪ እውን ኣካል እቲ ፀወታ እዩ።

 በትሪ ብርብር/ውርውራይ ብማዕረ ብምሓዝ ዝፅወት እውን እዩ። እዞም ብርብር ኣባትር እውን ኣካል ድምቀት ፀወታ ሁራ ሰለስተ እዩም። ኣለዓዕላን ኣተዓራርፋን እግሪን በትሪ ብርብርን ፀወታ ሁራ ሰለስተ ፍትውን ምዕሩግን ፀወታ ክኸውን ዘበርክትዎ ግደ ድማ ልዑል እዩ።

ፍልፍል፦ ከይዲ ስራሕ ባህሊን ቱሪዙምን ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም