ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ቼክ ማሪያን ጁርካ ዘትዮም




 

አዲስ አበባ/ሕዳር /30/2017/ኢዜአ/ሚኒስትር ግብርና  ግርማ ኣመንቴ(/) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ቼክ ማሪያን ጁርካ ዘትዮም

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(/) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ቼክ ማሪያን ጁርካ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ ሌማት ትሩፋትን ሓምለዋይ ኣሰርን ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣረዲኦም።

 መፍረያይነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ጉዳያት ሜካናይዜሽን ግብርና ምስ መንግስቲ ሪፐብሊክ ቼክ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ድልየት አመልኪቶም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻን ኣብ ቐፅሪ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ መሳርሕታት ሕርሻ፣ ትራክተራትን ማእኸላት መገጣጠምን ከምዝተመልከቱ መረዳእታ ሚኒስቴር ግብርና የመላኽት።

ማሪያን ጁርካ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንኢዶም።

ኣብ ቀረብ ዓውዲ ግብርና ቴክኖሎጂን ልምዓት እንስሳትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ሃገሮም ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ማሽነሪታት ግብርና፣ ድኹዒ ሓመድ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ኣግሮ ኬሚካልን መድሓኒታት እንሰሳትን ተበፃሒ እናገበረ ፀኒሑ 'ዩ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም