ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርኣያነት ዝጥቀስ ምዕባለ አምዝጋባ - ፕሬዚዳንት ፑቲን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርኣያነት ዝጥቀስ ምዕባለ አምዝጋባ - ፕሬዚዳንት ፑቲን
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/26/ 2017 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ምዕባለ ዝነኣድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መበል 15 ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣፍሪካን ሩሲያን ብዛዕባ ዘለወን ፅኑዕ ርክብ መብርሂ ሂቦም።
ኣፍሪካ ኣተኣማመኒት መሻርኽቲ ኢያ ብምባል፥ ምስ ህዝቢ እታ ኣህጉር እውን ብዙሕ ርክብ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ብመሰረት ገምጋም ሰብ ሞያ ዓለምን ምዕራባዊያንን ኣፍሪካ ዝሓሸ ተስፋ ምዕባለ ከምዘለዋ ይሕብሩ ኢሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርኣያነት ዝጥቀስ ምዕባለ ምምዝጋባ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት 120 ሚኢታዊት ዝኾነ ዕብየት ምምዝጋባ ብምሕባር፥ እዚ ዝነኣድ ኢዩ ምባሎም ስፑትኒክ ፀብፂቡ።