ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ክትኸፍት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ክትኸፍት እያ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 26/2017 (ኢዜኣ) ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ንምኽፋት ከምዝተዳለወት ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ኣምባሳደራት 24 ሃገራት ከምዝተቐበሉ ሓቢሮም።
እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕባል ደብዳበ ሹመት፤ ኣብ ፃንሒቶም ሃገራቶም ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ተዛሪቦም።
እቶም ወሃቢ ቃል፤ ኣምባሳደራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ኤምባሲ ዝኸፈታ ሃገራት እውን ደብዳበ ሹመቶም ከምዘቕረቡ ብምሕባር ነዚ ድማ ኣምባሳደር ስሎቬኒያ ከምኣብነት ፀሪሖም።
ኣምባሳደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ንምኽፋት ኣብ ምድላው ትርከብ ሃገር ኮሎምቢያ እውን ደብዳበ ሹመቶም ከምዘቕረቡ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ዮሶን አርካዲዮ ሜኔስ ኮፔቴ፤ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ንምኽፋት ምድላዋታ ከምዝዛዘመት ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ዝኸፈታ ሃገራት 137 ከምዝበፅሓን ኣዲስ ኣበባ እውን ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃናን ተደላይነታን እናወሰኸ ከምዝመጸትን መረጋገፂ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።