ሃገር ናብ ልዕልና ዘሸጋግሩ ተተካእቲ ኣመራርሓታት ናይ ምፍራይ ፃዕሪና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና-ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/26/ 2017 ./ኢዜአ/ሃገር ናብ ልዕልና ዘሸጋግሩ ተተካእቲ ኣመራርሓታት ናይ ምፍራይ ፃዕሪና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ሃገር ቦቆል ፀገም ፈታሕቲ ብልሓት ኣመራርሓ እንቐስመሉ ከምኡውን ምትሕብባርን ሕውነትን እነጎልብተሉ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ዝሳተፉሉ ነፀብራቐ ኮንፍረንስ መሪሕነት " ኣፈሊምና ኢሎም።

ምህናፅ ናይ ፅባሕ መራሕቲ ሓደ  ኢሉ ዝጅምር ሎሚ ብዝስራሕ ስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ማለት ኣብ መንጎ ወለዶታት ጥበብ መሪሕነት፣ ፍልጠት፣ ክእለትን ናይ ተግባር ቁርፀኝነትን ንምዕጣቕ ኣብ መንጎ ነባርን ተተካእቲ መናእሰይን ኣመራርሓ ሽግግር ፍልጠትን ልምዲን ምርግጋፅ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም