ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምዝዛም መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ የኽብር ኣሎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 26/2017 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ከተማ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ብዘተ ፓነልን ፌስቲቫል ባህልን የኽብር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር፣ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልላትን ኣባላትን ሓለፍትን ትካላት ፀጥታን ተረኺቦም።

ካብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውጻእፅኡ ተወከልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ባህሎም ዘርኢ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪቦም።

እቲ ምምሕዳር ከተማ፤ መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናኽበረ ዝፀንሐ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ድማ መርሃ ግብሪ ምዝዛም የካይድ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም