ኩባንያታት ዝተፈላለየ ሃገራት አብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት አለዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኩባንያታት ዝተፈላለየ ሃገራት አብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት አለዎም
አዲስ አበባ/ ሕዳር/ 26/2017/ኢዜአ/፦ ንምማሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኩባንያታት ዝተፈላለየ ሃገራት አብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ከም ዘለዎም ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።
ዋሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ አምባሳደር ነብያት ጌታቸው፤ብመዳይ ዲፕሎማሲ ዝተወገኑ ዓበይቲ ጉዳያት ጠመተ ሂቦም ሰሙናዊ መግለፂ ሂቦም።
ዝትግበር ዘሎ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ምንቕቓሕ ፈጢሩ ኢዩ ከም መግለፂ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ ኩለ መዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኢኮኖሚ ዲፕሎማሲ ምንቕቓሕ ከምዝፈጠረ ገሊፆም።
ባንኪ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት እስያ ኣብ ህንፀት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ነዚ ዞባ ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ኢትዮጵያ ዝቐረፀቶ ፕሮጀክት ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምርግጋፆም ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ካብ ልዕሊ 9 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 20 ኩባኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ዑደት ቅድመ ኢንቨስትመንት ምግባሮም ኣብሪሆም።
ኣብ ኢነርጂ መሰረተ-ልምዓት ፣ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂ፣ ማዕድንን ቱሪዝምን ንምውፋር ባህጊ ከምዘርኣዩ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።