ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ከምዘለዎም ገሊጾም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 26/2017 (ኢዜኣ) ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ዕድላት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ሪያድ ዘትዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምምሕያሽ ንግዲ ወጻእን ኢንቨስትመንትን ትገብሮ ዘላ መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

እቶም መመሓየሽታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዓለም ለኸ ኢንቨስተራት ምችው ምህዳር ከምዝፈጠሩ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ እናዓበየን እናሰፍሐን ዘሎ ኢኮኖሚ፣መንእሰይን ክልወጥ ዝኽእልን ሓይሊ ሰብን ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝብን ከምዘለዋ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ስትራቴጂካዊ ስፍራ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ ማኑፋክቹሪንግ፣መዓድንን ካልኦት ኣገልግሎታትን ፍሉያት ዕድላት ከምዝሓዘት ተዛሪቦም።

ሰብ ሃፍቲን ሓለፍቲ ኩባንያታትን ሳዑዲ ዓረቢያ ንዝቐረበሎም ገለፃን እቲ ዝነበረ ዘተን ምስጋና ብምቕራብ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣብ ዓውድታት ፍርያት ግብርና፣ምርባሕ እንሰሳት፣መዓድንን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ዓውድታት እውን ሓሳባት ምንፅብራቖም ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ዘተ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ሳዑዲ ዓረቢያን ኢትዮጵን ንምጥንኻር ከምዘኽእል ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም