ኢትዮጵያን ቻይናን ንማእኸል ልህቀት ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ንምእታው ተስማዕሚዐን



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/26/2017/ኢዜአ/ኢትዮጵያን ቻይናን ንማእኸል ልህቀት ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ንምእታው ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ቸን ሄይ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ ዘተ ኣይተ መላኩ ከምዝገለፅዎ፤ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዕዙዝ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ብተወሳኺ ምስ ትካላት ምርምር ኢንዱስትሪ ብምውዳድ እንተሰሪሓ ንኽልቲአን ሃገራት ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ፀገም ኣብ ዘፈር ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ዝሰርሑ ሰብሃፍቲ ንምፍታሕን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጣየሽ ማእኸል ልህቀት ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ንምእታውን ብዝምልከት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም