ብዝሃነት ንሃገራዊ ምርድዳእን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰረት እዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር



 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /25/2017 (ኢዜኣ) ብዝሃነት ንሃገራዊ ምርድዳእን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰረት እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ክልል መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ኣብ ከተማ ጎንደር ይኽበር ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብዝሃነት ንሃገራዊ ምርድዳእን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰረት እዩ።

ብዝሃነት ፍልፍል ኣፈላላይ ንክኸውን እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ እዚ ንምፍታሕ ምዝታይ እዋናዊ ዛዕባ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ብዘተ ሓባራዊ ተረኻት ንምህናጽ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ክልል ኣምሓራ ብዝሃ መንነት ዝኽበረሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንህንጸት ሃገረ መንግስቲ እጃሙ ብምውፃእ ሃገር ዘቐፀለ ክልል ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተደጋጋሚ ጻውዒት ሰላም ከምዘቕረቡ ብምግላፅ፤ ንበረኻ ዝኸዱ ደቅናን

ኣሕዋትናን ብሰላም ናብ ሕብረተሰቦም ንክፅምበሩ ምግባርን ሰላሙ ምሕላውን ይግባእ ኢሎም።

ጎና ጎኒ እውን ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ሕቶን ድሌትን እቲ ህዝቢ ዝምልሱ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቶም ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም