ስምምዕነት ሰላም ንአፈላላያት ሓሳብን ፖለትካን ዘመናዊ ብዝኾነ መልክዑ ምፍታሕ ንካልኦት እውን አብነታዊ ተግባር እዩ- ከንቲባ አዳነች አቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ስምምዕነት ሰላም ንአፈላላያት ሓሳብን ፖለትካን ዘመናዊ ብዝኾነ መልክዑ ምፍታሕ ንካልኦት እውን አብነታዊ ተግባር እዩ- ከንቲባ አዳነች አቤቤ
አዲስ አበባ /ሕዳር /25/2017 /ኢዜአ/ ፡-አብ ሞንጎ መንግስቲ ኦሮሚያን አመራርሓ አባላት ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንአፈላላያት ሓሳብን ፖለትካን ዘመናዊ ብዝኾነ መልክዑ ምፍታሕ ንካልኦት እውን አብነታዊ ተግባር እዩ ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን
ብጃል ሰኚ ነጋሳ ዝተመርሑ ኣባላት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ምስ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛቲዮም፡፡
ምስ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ስምምዕነት ሰላም ዘካየደ ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ብጃል ሰኚ ነጋሳ ዝተመርሑ ኣባላት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ዑደት ኣካይዱ፡፡
ድሕሪ እቲ ዘተ ድማ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እንኳዕ ናብ መገዲ ሰላም መፃእኹም ብምባል ተቐቢለን ኣዘራሪበንኦም፡፡
መገዲ ሰላም ኣማራፂ ዘይብሉን ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር መገዲ ከምዝኾነ ብምርዳእ መንግስቲ ንዝገበሮ ፃውዒት ኣባላት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ንዝሃቡዎ ምላሽ ዝምስገን ከምዝኾነ እተን ከንቲባ ኣብሪሀን፡፡