ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/25/ 2017 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ሎሚ መዓልቲ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ንኽፍፀሙ ብዘቐመጦም ኣንፈታት  ዝተሰርሑ ስራሕቲን ኣድለይቲ ዝኾኑ ውዳበታት ኮሚቴን ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም÷ ካብቲ ውሳነ ብተወሳኺ ንዲጂታል ኢትዮጵያ ኣድለይቲ ኣብ ዝኾኑ ሰነዳት ብሄራዊ ስትራቴጂ

ኤሌክትሮኒክ መንግስቲን ብሄራዊ ስትራቴጂ ኤሌክትሮኒክ ንግዲን ሰፊሕ ዘተ ብምግባር ኣንፈታት ኣቐሚጥና ኢሎም፡፡

ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብዝላ ኣብ ዝዓብየሉ ዘበን ስለዝኾነ፤እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነዚ ዕቤት ግቡእ ግደ ንኸበኸርክተ  ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብዝላ ኣብ ዝዓብየሉ ዘበን ስለዝኾነ፤እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነዚ ዕቤት ግቡእ ግደ ንኸበኸርክተ  ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም