ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘተኮረ ፎረም ዜጋታት ፓርላማ ምክያድ ጀሚሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /25/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘተኮረ ፎረም ዜጋታት ፓርላማ ምክያድ ጀሚሩ።

ፎረም ዜጋታት ፓርላማ ንፈለማ እዋን እናተኻየደ እንትኸውን ኣብ ቀፃሊ እውን በቢወርሑ ንሃገርን እታ ኣህጉርን ኣብ ዝጠቕሙ ቁልፊ ዛዕባታት ከምዝዝቲ ተገሊፁ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣባላት ቤት ምኽሪ፣ ሚኒስትራት፣ሙሁራን፣ሓለፍቲ ትካላት ሚድያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ምህረቱ ሻንቆ (/) ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ እዚ ፎረም ዜጋታት ፓርላማ ኣብ ሃገራዊ፣ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊጾም።

እቲ መድረኽ ብልዕልና ሓሳብ ዝምራሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብዓወት ንክቕፅል ድማ ተሳትፎ ሙሁራን ወሳኒ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም