ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ሓድግን መርኣያ ብልፅግናን ኣፍሪካ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ሓድግን መርኣያ ብልፅግናን ኣፍሪካ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 25/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ሓድግን መርኣያ ብልፅግናን ኣፍሪካ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዘቢ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ፎረም ዜጋታት ፓርላማ ብዕሊ ከፊቶም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን፤ ፎረም ዜጋታት ፓርላማ መድረኽ መለዋወጢ ሓሳብ እዩ ኢሎም።
እቲ ፎረም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ዓለም፣እጃም መራሕትን ተሳትፎ ህዝብን ከምኡ እውን ሕዳሰ ግድብ ምስ ኣተሓሳስባ ፓንኣፍሪካውነት ከምዝተኣሳሰር ገሊፆም።
እቲ ፎረም፤ ንተረባሕነት ሃገርን ህዝብን ዝለዓለ እጃም ዘለዎም እታዎታት ፖሊሲ ዝእከብሉ፣ሓባራዊ ግንዛበ ምፍጣርን ንተግባራዊነቱ እውን ብምትሕብባር እንተግሀሉን እዩ ኢሎም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ፕሮጀክት ዝለዓለ ፍልፍል ሓይሊ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰረት ሓባራዊ ዕቤትን ምትሕብባርን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ሓባራዊ ሓድግን መርኣያ ብልፅግናን ኣፍሪካ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንኩለን ሃገራት ተፋሰስ እቲ ግድብ ሓባራዊ ተረባሕትን ኣሸነፍትን ዝገብር ዲፕሎማሲ ከምትኣምን ኣረዲኦም።