ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና-ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት - ኢዜአ ትግርኛ
ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና-ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /25/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሾሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ ደብዳበ ሹመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሾሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት 12 ወጻኢ ሃገራት ተቐቢሎም።
ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣሊሃንድሮ ኤስቲቪል ካስትሮ፣ኣምባሳደር ሱዳን ኤልዚኢን ኢብራሂም ሃሰን፣ኣምባሳደር ኒካራጉዋ ኣሊ ጋርዝ፣ኣምባሳደር ኢራን ኣሊ ሪዛኢ፣ኣምባሳደር ጋቦን ሊሊ ስቴላን ኣምባሳደር ቤልጄም ኣኒል ቨርስቲቺልን ደብዳበ ሹመቶም ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣምባሳደር ቻይና ቼን ሃይ፣ኣምባሳደር ጋና ሮበርት ኣፍሪይኢ(ዶ/ር)፣ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱኒ ክሮግስትሩፕ፣ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኦሊቪአ ሌሲኢ፣ኣምባሳደር እስራኤል ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ሜሪ ክሪስቲኔ ቲኦዶሪ ፒሬኔ ደብዳበ ሹመቶም ኣቕሪቦም።
ድሕሪ እዚ መርሃ ግብሪ ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ኣምባሳደራት ሜክሲኮ፣ሱዳን፣ኢራን፣ዴንማርክን እስራኤልን፤ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ርክብ ምጣነ ሃፍቲ፣ፖለቲካን ህዝቢ ምስ ህዝብን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ኤልዚኢን ኢብራሂም ሃሰን፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራን ታሪኻውን ርክብ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሊሃንድሮ ኤስቲቪል ካስትሮ ብግደኦም፤ ምስ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ደቡብ ንደቡብ ኣብ ዝጠናኸረሉ፣ግብርና፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሊ ሪዛኢ፤ ኢራን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ምጣነ ሃፍቲ፣ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ርክብ ንምጥኻር ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር)፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ባህሊ፣ምጣነ ሃፍቲ፣ልምዓት ግብርና፣ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ዓቕሚ ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምዘለዋ ዝገለፁ ድማ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኒ ክሮግስትሩፕ እዮም።
ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው፤ እቶም ደብዳበ ሹመቶም ዘቕረቡ ኣምባሳደራት ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ንግዲ፣ኢንቨስትመንት፣ፖለቲካን ካልኦት ዘፈራትን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ኣብ ዝጠናኸርሎም ኩነታት ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ምዝታዮም ገሊጾም።