ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ንዝተሾሙ ደብዳበ ሹመቶም ተቐቢሎም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ንዝተሾሙ ደብዳበ ሹመቶም ተቐቢሎም
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/25/ 2017 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ንዝተሾሙ ደብዳበ ሹመቶም ተቐቢሎም።
እቶም ሓደሽቲ ኣምባሳደራት፥ ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣሊሃንድሮ ኤስቲቪል ካስትሮ፣ ኣምባሳደር ሱዳን ኤልዚኢን ኢብራሂም ሃሰን፣ ኣምባሳደር ኒኳራጓይ ዓሊ ጋርዝ፣ ኣምባሳደር ኢራን አሊ ሪዛኢ፣ አምባሳደር ጋቦን ሊሊ ስቴላን ኣምባሳደር ቤልጄም ኣኒል ቨርስቲቺል ኢዮም።
ብተመሳሳሊ ደብዳበ ሹመት ኣምባሳደራት ቻይና፣ ጋና፣ ዴንማርክ፣ ኣየርላንድ፣ እስራኤልን ኔዘርላንድን ተቐቢሎም።
እቶም ኣምባሳደራት ንሃገሮም ብምውካል ኣብ ኢትዮጵያ ምሿሞም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ገሊፆም።