መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣማን ተወሳኺ 3 በረራታት ከምዝገብር ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣማን ተወሳኺ 3 በረራታት ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/29/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ኣማን ተወሳኽቲ ሰለስተ በረራታት ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
እቶም በረራታት በቢሰሙኑ ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርቢን ዝግበሩ ከምዝኾኑ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣማን ዝገብሮ ሰሙናዊ በረራ ናብ 10 ክብ ከምዝብል ተሓቢሩ፡፡