ሰለስቲኦም አሕዋት ደቂ ወታሃደር እዮም ንሶም እውን ወታሃደራት እዮም ዶብ ሃገሮም ንምሕላው ዝተልዓሉ ጀጋኑ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሰለስቲኦም አሕዋት ደቂ ወታሃደር እዮም ንሶም እውን ወታሃደራት እዮም ዶብ ሃገሮም ንምሕላው ዝተልዓሉ ጀጋኑ እዮም
"ሰገናት ኮይንኩም ንወለድኹም አገልግሉ ምስ ዓበኹም ድማ ንሃገርኩም ዋርድያ ኮይንኩም አገልግሉ" ንዝብል ቅዱስ ምኸሪ አየኦም ተቐቢሎም ንሃገሮም ዋርድያ ኮይኖም ጠጠው ዝበሉ ሰለስተ አሕዋት ።
ጋሻው ሲሳይ ዘመድኩን ሲሳይ ን ዘልአለም ሲሳይ ይባሃሉ ስፍራ ትውልዶምን ዕብየቶምን አርሲ አሰላ እዩ ።
ሰለስቲኦም አሕዋት ደቂ ወታሃደር እዮም ንሶም እውን ወታሃደራት እዮም ዶብ ሃገሮም ንምሕላው ዝተልዓሉ ጀጋኑ እዮም ።
ወላዲ አቦኦም አባል ነበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምኹን ንሉአላውንት ሃገሮም ዋርድያ ኮይኖም አገልጊሎም።
ወላዲኦም ካብ ቁልዕነቶም ጀሚሮም "ቆልዑ እናሃለኹም ንወላዲትኩም አገልግሉ ምስ ዓበኹም ድማ ንሃገርኩም ዋርድያ ኹኑ" ብዝብል ምኸሪ ወላዲኦም ከምዘዕበይዎም ይዛረቡ ።