ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ በዓል ዳመራ መስቀል ብድምቀት ንክኽበር ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊና






 

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/ 17/2017 /ኢዜአ/ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ በዓል ዳመራ መስቀል ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብምሕላው ብድምቀት ንክኽበር ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊና።

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ብድሙቕ ስርዓት ዳመራ መስቀል ምኽባሩ ስዒቡ ኢዩ እቲ ምስግና ተዋሂቡ።

ኣብቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ምስግና፥ ህዝበ ክርስቲያን ዝናብን ዛሕሊን ከይበደሆ ብፅንዓትን ፍፁም ብዝኾነ መንፈሳዊነት ነቲ በዓል ምኽባሩ ብምግላፅ፥ ንኹሎም ኣብቲ በዓል ተሳተፍቲ ዝነበሩ ክፋላት ማሕበረሰብ አመስጊና።

እቲ ህዝቢ ንኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ፍፁም ተኣዛዚ ብምዃን ምትሕብባር ብምግባር ንባዕሉ ኣኽባሪ ፀጥታን ተሓባባርን ብምዃን ንዘርኣዮ ተግባር ንኢዳ።

በቢብርኩ ንዘለዉ ኣካላት ፖሊስ፣ ድሕንነትን ፀጥታን መንግስቲ ሙያዊ ግቡኦም ብኣግባቡ ብምውፅኦም ምስጋና ኣቕሪባ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ በዓል ብድምቀት ንክኽበር ዘድልዩ እታዎታት ብምምላእን ካሊእን ንዝገበሮ ደገፍን ምትሕብባርን አመስጊና።

ከምዚ ዝበለ ቅኑዕ ተግባራት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፁ ኣብ መምርሒ ርክብ ህዝቢ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም