በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ፅባሕ ክኽበር ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ፅባሕ ክኽበር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/23/ 2016 /ኢዜአ/ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ሓልዩ ፅባሕ ክኸበር እዩ ።
በዓል ኣሸንዳ፥ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ አበርክቶ ከምዘለዎ ይግለፅ።
ስለዝእኾነ እቲ በዓል፥ መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተዓጅቡ ብፍሉይ ድምቀት ከምዝኽበር ኢዩ ተገሊፁ።
በዓል ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት፥ “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ፅባሕ ብድምቀት ዝኽበር ዘሎ።
መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ተፀጊኑ ግልጋሎት ብምጅማሩ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብታ ከተማ ዝኸዱ ኣጋይሽ ብክብሪ ብቀጥታ ዝመፅእሉ ብምዃኑ ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ ርክብ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም የመላኽት።
በዓል ኣሸንዳን ማሪያን እዚ ዓመት÷ “ክብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መልላእ ትግራይ ከምዝተኸበረ ይዝከር።
በዓል ኣሸንዳ፥ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ኢዩ።