ኣብ ህንፀት ሰላም ብምትሕብባር ንምስራሕ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጉዳይ ሰብኣውነት ው.ሕ.መ ዘተ ተሳሊጡ

 

አዲስ አበባ/ነሓሰ/14/2016/ኢዜአ/ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (/) ምስ ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጉዳይ ሰብኣውነት .. ዶክተር ራሚስ ኣልካብሮቭ ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ብሓባር ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ዘላቒ ዝኾነ ኣዎንታዊ ስራሕ ህንፀት ሰላም ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ባህሪ ዘለዎ ብምዃኑ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምትሕብባር ምስራሕ የድሊ።

ነዚ 'ውን ድጋፍ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዘድሊ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፆም።ዶክተር ራሚስ ብወገኖም 'ውን ሓፈሻዊ ኣዎንታዊ ሰላም ንምህናፅ ወሰን ተሳጋሪ ናይ መናእሰይ ግልጋሎት ሰናይ ፍቓድን ኣብ ምይይጥ

ማሕበረሰብን እናተሰርሐ ንዝርከብ ስራሕን ኣድኒቖም።

እቲ ትካል ንዝሰርሖም ኹለመዳያዊ ስራሕቲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ከምዝድግፉን ንውፅኢታውነቱ 'ውን ኻልኦት ዓለም ለኽዊ ትካላት 'ውን ንምትሕብባር ቓል ምእታዎም መረዳእታ እቲ ሚኒስትር የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም