ፀጋታት ኣሸንዳ ንብሩህ መፃኢት ትግራይ

 

በዓል ኣሸንዳ ወይ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ሕንግደይ ፀሞረይን ዝናፈቅን ዝኽበርን ፍሉይ በዓል ደቂ ኣንስትዮዩ። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣሸንዳ ብባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፂታትን ተወቂበን ማዕሪገንን፤ ናፃነተን፣ ማዕርነተን፣ ፅባቐአንን ፍሉይ ተውህብአንን ብባህላዊ ፀወታ ኣቢለን ዝገልፃሉን ዝሕጎሳሉን ኮይኑ፤ እቲ ማሕበረሰብውን ብዝተፈላለየ መንግዲ ንደቂ ኣንስትዮ ኽብሩን ሓልየቱን ፍቅሩን ዘርእየሉ ክቡር በዓልዩ።

ካብ እዋን ናብ እዋን ድምቀቱ እናዛየደ ዝመፅእ ዘሎ እዚ ዓብይ በዓል ብፍላይ ንደቂ ኣሽንዳ ፍሉይ ትርጉም፣ ፍቅርን ናፍቆትን ዘለዎ ኮይኑ ብሃንቀውታ ዝፅበየኦዩ። እዚ በዓል ካብ ሕሉፍ እዋናት ብዝበለፀ ድምቀት ንምኽባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ ይርከብ።

እዚ ምድላው በዓል ኣሽንዳ ባህላዊ ትውፊታቱን ክብርታቱን ሒዙ ንኽቕፅል ካብ ምግባር ብተወሳኺ፤ኣብዚ ቕነ ኣሸንዳ ካብ ሃገር ውሽጥን ደገን ናብ ትግራይ ብበዝሒ ጋሻ ዝመፅአሉ ምስ ሙዃኑ ተተሓሒዙ ነዚ ጋሻ ዝግባእ ፅሬትን ቅልጣፈን ዘለዎ ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ብምሃብ ዕግበት ተገልገልቲ ንምዕባይ ዘኽእል ግንዛበ መዕበዪ መድረክ ምስ ኣካላት ሚድያ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ግለጋሎት፣ ማእኸል መሸጣ ውፅኢት ባህላዊ ኢደ ጥበብ፣ ሓይልታት ፀጥታን ቤት ፅሕፈት ፖሊስን፣ ቱር ኦፕሬተራትን ካልኦትን ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዘተፈላለያ ከተማታት መድረኻት እናተሳለጡዮም ዝረከቡ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ብቕዓት ምርግጋፅ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣይተ የማነ ገድሉ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከም ዝበልዎ፤ በዓል ኣሸንዳ ካብ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ጀሚሩ ድሕሪ ልደት ክርስቶስውን ቀፂሉ ብጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ ብሙሉእ ነፃነት ባህልንን ታሪኸንን ዘንፀባርቃሉ በዓል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በቲ ኵናት ዝተጎድአ ዓውዲ ቱሪዝምን ኢኮኖምን እታ ክልል ፀጋታት ቱሪዝም ብምዕቃብን ናብ ረብሓ ብምውዓልን ናብቲ ዝነብሮ ንምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝሐሸ ኢኮኖምያዊ ረብሓ ንምውዓል እቲ ቢሮ ትልምን ኣንፈትን ሒዙ ኣብ መላእ ክተማታት ትግራይ ሰላምን ድሕነንትን ብዝሓለወ ደሚቁ ንምኽባር ሰፊሕ ምድላዋት ተገይርሉ ኣሎ።

እዚ በዓል እንተኽበር ካብ ዝተፈላለዩ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝምፅኡ ኣጋይሽ ኣገልግሎታት ብምሃብ ኣብ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ምምፃእ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ብምገላፅ፤ ትግራይ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ንዝመፅኡ ኣጋይሻ ንምቅባል ምሉእ ምድላዋት ገይራ ከምዘላን በዚ ኣጋጣሚውን ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ኢትዮጵያ ንዘለው ሃወፅቲ መፂኦም ተኻፈልቲ ናይዚ ብዓል ንክኾኑ ኣይተ የማነ ይፅውዑ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2017 / ከባቢታት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የዉሃንስ፣ ነባር ቤተ መዘጋጃ፣ ደጅን መናፈሻ፣ ሉሲ መናፈሻ፣ መዐደሊ ነዳዲ፣ ኮሚሳርን ከባቢኡን ብሓፈሻ 35 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝሽፍን ብከባቢ 2 ቢልዮን ብር ንክለምዕ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ፕሮጀክት ኣሸንዳ ስኩየር ብዝምልከት፤ ሓደ ሜጋ ፕሮጀክት ቱሪዝም ትግራይ ከምዝኾነን፤ እዚ ፕሮጀክት ዝህነፀሉ ዘሎ ቅድም ክብልውን ፍፃመታት ኣሸንዳን ካልኦትን ዝካየድሉ ታሪኻዊ ቦታ ከምዝነበረን ብምግላፅ፤ ሐዚ ድማ ፓርክ ኣሸንዳ ትግራይ ዝኾነሉን ንቀፃሊ በዓል ኣሸንዳ ድማ ብቀዋሚነት ቦታ ዝሐዘሉ፣ ኣብ ቱሪዝም ንዝስርሑ ልምዓታት ሓደ መበገሲ መንጠሪ ተገይሩ ከምዝውሰድዮም ዝገልፁ።

ብተምሳሳሊ ኣብ ኣከባብራ ኣሸንዳ በዓል ኣመለኪቱ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ኣምነን ማርኬቲንግ ፕሮሞሽን ብምትሕብባር ዓበይቲ ዓዲ፣ ደቂ ኣሸንዳ፣ ሓለፍቲ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ኣብ ዝተረኸብሉ ብሰሉስ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣብዚ ዓመት ዝኽበር ታሪኻዊ ፣ሃይማኖታውን ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ ትውፊታቱን ክብርታቱን ብዘይምሽርራፍ ብምኽባር ቑጠባዊ ረብሓ ትግራይ ምውሓስ ኣገዳሲ ከምዝኾነን እዙይ ንምትግባር ድማ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ኻልኦት ክፋል ሕብረተሰብ ቐፃልነት ዘለዎ ምውርራስ እቲ ክብረ በዓል ተግባራዊ ንምግባር ልዑል ተራ ክፃወት ከምዝግባእ የብርሁ።

ውሽጣዊ ፀገማትና ልዕሊ ትግራይ ኣይኮነን፣ ኢልና ኣሚና ብምሕባር ብዙሕ ነገር ክንቕይር ከምእንኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሩህ መፃኢና ኣብዚ ዘብፅሐና መከራ ወፂእና፣ ዕንኪልልን ኣፋላላያትና ንጎኒ ገዲፍና ንቕድሚት ክንርእይ ይግባእ ክብሉ ኣብ ተምሳሳሊ ካሊእ መደርኽ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ኣሸንዳ ንክብሪ ደቂ ኣሸንዳን ክብርታት ኣሸንዳን ከምኡውን ብሩህ መፃኢ መሰረት ብዝኾነሉ መዳይ ንክብዓል ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ምድላው ከምዝተጀመረን ኩነታት ትግራይ ክልወጥ ዝኽእል ክንዲ ዝግበኣና ኢድና ክንዲ ክሓፍሰልና፣ ኣእምሮና ክንዲ ዝቕበሎ፣ ብርክና ክንዲ ክጎዮ ዝኽእል ክጎይይ ምባሎምውን ተፀብፂቡዩ።

ኣብ ተንቤን ኣሸንዳ ኣውርስ 2016 ብድሙቅ ንምክባር ምድላዋት ይውገን ብዘሎ መሰረት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ተወለድትን ፈተውትን ተንቤን ኣብ ትሕዝቶን ኣበዓዕላን ኣሸንዳ ኣውርስ መድረክ ዘተ ኣብ ዝተዳለወሉ መድረኽ ዝተረኸቡ ካብኔ ሴክሪተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ /ህይወት፤ ኣብ ከባቢ ተንቤን ዘለው ፀጋታት ናብ ረብሓ ማሕበረ ቑጠባ ዕብየት ክውዕል ዝኽእል ፀጋታት ስለዘለዉ ተወዲብካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገለፁ።

ክምኡውን ኣብ ከተማ እኽሱምኽብርታት ዓይኒ ዋሪ ንደቂ ዓይኒ ዋሪን ንብሩህ መፃኢ ትግራይንብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ክብረ ብዓል ዓይኒ ዋሪ ብዝደመቐ ንምብዓል ምድላዋት ይውገን ከምዘሎን ኣብታ ጥንታዊት፣ ታሪኻዊት፣ ሰረት ስልጣነታት ዓለም፣ ተምሳሌት ሰላም፣ ባህሊታትን እምነታትን ከምኡውን ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታትን ቅርሲታትን ዝርከቡላ ከተማ ኣኽሱም ሎሚ ዘመን ዝበዓል በዓል ዓይኒ ዋሪ ፍሉይ ክከውን ይስርሐሉ ከምዘሎ ዋና ኣማሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮንን ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ሰብከት ዞባ ማእኸል ክቡር ንቡረእድ ጎደፋ መርሃ ምግላፆም ርክብ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ሓቢሩዩ።

ከም ፀብፃብ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ፤ በዓል ማርያ ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶኡ ከይተበከለ ንክኽበር ምድላዋት ከምዝተወገነ ኮሚቴ ምስንዳእ ፅምብል ማርያ ከተማ ዓዲግራት ዘፍለጠ ኮይኑ፤ ነቲ በዓል ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ኣይተ የማነ ተኽለማርያምን መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ወይዘሮ ፍረወይኒ በርሀን ከም ዝሓበርዎ፤ በዓል ማርያ ንክብርታት ደቂ ማርያን ብሩህ መፃኢ ትግራይን ብዝብል መራሒ ሓሳብ ካብ 14 ነሓሰ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ፅምብላት ንክኽበር ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ ተገሊፁዩ። ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም