ጉዱኣት ኣካል ኣብቲ ምኽክር ዛዕብኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ብስምዒት በዓል ዋንነት ክሳተፉ ኣለዎም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /24/2016 (ኢዜኣ) ጉዱኣት ኣካል ኣብቲ ምኽክር ዛዕብኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ብስምዒት በዓል ዋንነት ክሳተፉ ከምዘለዎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣምባዬ ኦጋቶ(/) ገሊፆም።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ምስ ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ብምትሕብባር ጉዱኣት ኣካል ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ዘለዎም ተሳትፎን እጃምን ዝጠመተ ካልኣይ ዙር መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ ሃዋሳ የካይድ ኣሎ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣምባዬ ኦጋቶ(/) ኣበዚ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን መራሕቲ ሓሳብን ዝረኣዩ መሰረታዊ ኣፈላላያትን ሃገራዊ ፀገማትን ብምኽክር ንምፍታሕ ብኣዋጅ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።

እታ ሃገር ኣብ ዘጋጥምዋ ጎንፅታት ጉዱኣት ኣካል ብቐዳምነት ተጎዳእቲ ስለዝኾኑ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ስለዝኾነ እውን ጉዱኣት ኣካል ኣብቲ ምኽክር ዛዕብኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣብቲ ከይዲ ብስምዒት በዓል ዋንነት ክሳተፉ ከምዘለዎም እቶም ኮሚሽነር ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ዳይሬክተር ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣባይነህ ጉጆ ብግደኦም፤ ኣብታ ሃገር ብዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣትን ጎንፅታትን ዋላ ኩሉ ማሕበረሰብ ተጎዳኢ እንተኾነ ጉዱኣት ኣካል ግና ብዝኸፍአ ተጎዳእቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ፀገማት ብዘተ ኣብ ምፍታሕ ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካል ብጣዕሚ ኣድላይ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም