መልእኽቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ - ኢዜአ ትግርኛ
መልእኽቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብምኽንያት ምግሃስ መሬት ብዝበፅሐ ሕልፈት ህይወት ሰባት ዓሚቕ ሓዘን ዝተሰምዖ ምዃኑ እናገለፀ ንመንግስትን ህዝብን እቲ ክልል ፅንዓት ተመንዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝበፅሐ ጉድኣት ናይ ኹላትና ጉድኣት ምዃኑ እናገለፅና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስትን ህዝብን ኦሮሚያ ኣብ ዘድሊ ኹሉ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን እቲ ክልል ደው ከምዝብል ይገልፅ።
ህዝብታት ሃገርና ኮነ ክልልና ነቲ ናይ ኽረምቲ ማይ ስዒቡ ብድንገት ካብ ዝፍጠሩ ሓደጋታት ዓርሱ ክሕልውን ስራሕቲ ቕድመ ጥንቃቐ ክሰርሕን ከምዘለዎ ፃውዒት የቕርብ።