ኣብ መበል 17 ውድድር ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ፀወታታት ምድብ 5 ን 6 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክግበሩ ኢዮም

አዲስ አበባ /ሰነ/ 19/2016(ኢዜአ)፦በአብ ምበል 17 ፅዋዕ አውሮፓ አርባዕቲአን ሃገራት ሎሚ ናብ አውዲቐካ ምሕላፍ ንምእታው ዝካየድኦ ፀወታ  ትፅቢት ይግበረ

ኣብ መበል 17 ውድድር ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ፀወታታት ምድብ 5 6 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክግበሩ ኢዮም።

በዚ ድማ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ፖርቹጋል ምስ ጆርጂያ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ምሸት ሰዓት 1 ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ከምኡ እውን ስሎቫኪያ ምስ ሮማኒያ ክጋጠማ ኢየን፡፡

ኣብዚ ምድብ ዝርከባ ኩለን ሃገራዊ ጋንታታት ማዕረ ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምፅምባር ዕድል ኣለወን፡፡

ብሙዃኑ ድማ እተን ሃገራዊ ጋንታታ ናብ ቀፃሊ ዙር ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ንቱርኪን ቼክሪፐብሊክን ብምስዓር ኣቐዲማ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፖርቹጋል ምሸት ሰዓት 4 ኣብቲ ምድብ ኣብ መወዳእታ ምስ ትርከብ ጆርጂያ ክትፃወት ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብዚ ምድብ ትርከብ ቱርኪ ምስ ቼክ -ሪፐብሊክ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡

ንቱርኪ ማዕረ ምውፃእ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ዝኣኽላ እንትኸውን÷ ቼክ ሪፐብሊክ ድማ ናብ ቀፃሊ ንምሕላፍ ክትዕወት ኣለዋ፡፡

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም