ፈረንሳይ፣ እንግሊዝን ኔዘርላንድስን ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ሓያል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን - ኢዜአ ትግርኛ
ፈረንሳይ፣ እንግሊዝን ኔዘርላንድስን ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ሓያል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ -ግብሪታት ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምፅምባር ብርቱዕ ንሕንሕ ዝፅበየን ሃገራዊ ጋንታታት ክፃወታ ኢየን፡፡
ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝተደልደላ ፈረንሳይን ፖላንድን ከምኡ እውን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ምስ ኦስትሪያ ክገጥማ ኢየን፡፡
ንምድብ ኣርባዕተ እናመርሐት ትርከብ ኔዘርላንድስ ንኦስትሪያ ክትስዕራ ኢያ ዝብል ቅድመ-ፀወታ ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡
ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብዚ ምድብ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ፈረንሳይ እውን ንፖላንድ ከምትስዕራ ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡
ኦስትሪያ ሰለስተ ነጥቢ እንትህልዋ፤ ፖላንድ ብግደኣ ብዘይ ምንም ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ትርከብ፡፡
ብካሊእ መዳይ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝርከባ ዴንማርክ ምስ ሰርቢያ ከምኡ እውን እንግሊዝ ምስ ስሎቬኒያ ክነሓንሓ ኢየን፡፡
እቲ ምድብ እንግሊዝ ብኣርባዕተ ነጥቢ እንትትመርሖ÷ ዴንማርክን ስሎቬኒያን ብተመሳሳሊ ክልተ ነጥቢ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ፡፡
ሰርቢያ ድማ ሓደ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ መወዳእታ ደረጃ ትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኢያ፡፡
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ÷ ኣሰናዳኢት ሃገር ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ፣ ጣልያን፣ ስፔንን ፖርቹጋልን ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ (ብሉፃት 16) ምፅምባረን ዘረጋገፃ ሃገራት ኢየብ፡፡