ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/16/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ኣሰናዳኢት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ምስ ስዊዘርላንድ መዘነኣ ትገብሮ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ፍራንክፈርት ኣሬና ክካየድ ኢዩ፡፡

ክልቲኡ ናይ ምድብ ፀወታ ዝተዓወተት ጀርመን ናይ ዘይምስዓር ክብራ ንምሕላው ናብ ሜዳ ትኣቱ እንትትከውን÷ ስዊዘርላንድ ብግደኣ ኣብቲ ምድብ 1ይቲ ንምዃን ወይ እውን 2 ደረጃኣ ሓሊያ ንምሕላፍ ብርቱዕ ንሕንሕ ከምትገብር ትፅቢት ይግበር፡

ብተመሳሳሊ ስኮትላንድ ምስ ሃንጋሪ ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ስቱትጋር ኤም ኤች ኣሬና ክከየድ ኢዩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም