ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ስፔንን ጣልያንን ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ጠመተ ረኺቡ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ስፔንን ጣልያንን ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ጠመተ ረኺቡ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/13/ 2016 /ኢዜአ/ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምፅራይ ንፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔንን ጣልያንን ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ጠመተ ረኺቡ ኣሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ፀወታታት ዝካየዱ እንትኾኑ፥ ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ስፔንን ጣልያንን ሰዓት 4 ናይ ምሸት ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ፋላማይ ፀወታ ጣልያን ንኣልባንያ 2 ን 1 ከምኡ ውን ስፔን ንክሮሺያ 3 ን 0 ምስዓረን ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝርከባ እንግሊዝን ዴንማርክን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ድማ ስሎቬኒያን ሰሪቢያን ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታ ከምዘካይዳ እቲ ዝወፅአ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብቲ ምድብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ፥ እንግሊዝ ንሰርቢያ 1 ን 0፣ ዴንማርክን ስሎቬኒያን 1 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምፍልላየን ካብቲ መርሃ ገብሪ ዝተረኸበ መረዳእቲ የመላኸት።