ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 39 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ የመን ሞይቶም፡ 150 ደሃዮም ጠፊኡ

 

አዲስ አበባ/ሰነ/4/2016/ኢዜአ/ ኣብ ገማገም ባሕሪ የመን ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ ኣስታት 39 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢን ዓለምለኸ ትካል ስደትን (IOM) ገሊጾም።

እታ ኣስታት 260 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ትማሊ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ከም ዝጠሓለት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም።

ክሳብ ሕዚ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣስታት 150 ሰባት ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

ዓለምለኸ ትካል ስደት፡ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝድሓኑ 71 ውጻእ መዓት ሓገዝ ይገብረሎም ከም ዘሎ ገሊፁ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን፡ ንየመን ከም መሰጋገሪ ከም ዝጥቀሙላ ይንገር።

ዳይሬክተር ምምሕዳር ሩዱም ሃዲ ኣል-ኩርማ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ናብ ገማገም ባሕሪ ቅድሚ ምብጽሓ ከም ዝጠሓለት ሓቢሩ።

ገፈፍቲ ዓሳን ነበርትን ካብቶም ስደተኛታት 78 ከድሕኑ ክኢሎም፤ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ምስኦም ዝነበሩ ኣስታት 100 ካልኦት ከም ዝጠፍኡ ድማ ሓቢሮምኢሉ።

ወሲኹ፡እቲ ናይ ምድላይ ስራሕቲ ሕዚውን ይቕጽል ኣሎብምባል ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጡ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ 97 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም።

ኣብ የመን ዋላውን ኲናትን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ እንተቐጸለን፡ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክኣትው ዝብገሱ ስደተኛታት ብየመን ከቋርፁ ካብ ምፍታን ንደሓር ኣይበሉን።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ ስዒቡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝከር።

እታ ጀልባ 60 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ የመን ከም ዝተበገሰትን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጐዶርያ ብምግልባጣ 38 ካብቶም ተሳፈርታ ከም ዝሞቱን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሓቢሩ ነይሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም