ሃገራት ኣፍሪካ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኽቀላጠፍ ሓቲተን - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራት ኣፍሪካ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኽቀላጠፍ ሓቲተን
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/4/ 2016 /ኢዜአ/ሃገራት ኣፍሪካ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ንኽቀላጠፍ ሓቲተን፡፡
ካብ 10 ሃገራት ዝተውፃእፅአ ኮሚቴ ሚኒስትራት ሕብረት ኣፍሪካ÷ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ብዝምልካት ኣብ መበል 11 ጉባኤ ኣብ ኣልጀርስ ተኻይዱ፡፡
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ባንኮሌ ኣዲኦዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ለውጢ የድልዮ፡፡
እዚ ለውጢ ብቕልጡፍ ንኽትግበር ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ምኽክር ንኽግበር እውን ሓቲቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣህጉር ኣፍሪካ ድምፂ ተኹሲ ዘይስመዐላ ምግባር፣ ግብረ ራዕዲ ምእላይ፣ ኣፍሪካዊ ውህደት ምፍጣርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ውክልና ምምሕያሽ ኣብ ኣፍሪካ ቅድሚት ትኹረት ክወሃቦም ዝግብኡ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጄሪያ ኣህመድ ኣታፍ ብግደኦም፥ “ኣፍሪካ ታሪኻዊ ኢ-ፍትሓውነት፣ ወጥሪን ምክፍፋልን ፈጢሩ ግደኣ ካብ ዘህስሰላ ስርዓት ትላቐቐሉ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምምሕያሽ ንኽግበር ትጠልብ” ክብሉ ገሊፆም፡፡
ነቲ ኮሚቴ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሴራሊዮን ቲሞቲ ሙሳ ካባ፥ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምምሕያሽ ንኽገብር ኣብ ኣፍሪካዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዘድሊ ብምሕባር፤ መራሕቲ ኣፍሪካ እዚ ዕላማ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ዝተሃቀነ ምኽክር ንኸቀላጥፋ ሓቲቶም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2005 ዝተጣየሸ እቲ ኮሚቴ÷ አልጄሪያ ፣ ኮንጎ ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ ፣ ኬንያ ፣ ሊቢያ ፣ ናሚቢያ ፣ ሴራሊዮን ፣ ሴኔጋል ፣ ኡጋንዳን ዛምቢያን ከምዘጠቓልል ተፈሊጡ አሎ።