እቲ ኢንስቲትዩት መድሓኒት ዝተላመደ ሕክምና ሕማም ሳንቡእ ካብ 24 ናብ 9 ኣዋርሕ ዝንኪ ውፅኢት ምርመራ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኢንስቲትዩት መድሓኒት ዝተላመደ ሕክምና ሕማም ሳንቡእ ካብ 24 ናብ 9 ኣዋርሕ ዝንኪ ውፅኢት ምርመራ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 29/2016 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን መድሓኒት ዝተላመደ ሕክምና ሕማም ሳንቡእ ካብ 24 ናብ 9 ኣዋርሕ ዝንኪ ውፅኢት ምርመራ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ኢንስቲትዩት መበል 54 በዓል ምስረትኡ ምኽንያት ብምግባር ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ጉባኤን ዑደትን ኣካይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ዓውዲ ጥዕና፣ሰብ ሞያታት ኮሚዩኒኬሽን፣መሓዙት ልምዓትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ሕማማት ዓሶ፣ድዌተ ስጋ፣ ሳምቡእ፣ ክሳድ ኣንቅፅ፣ኮሌራ፣ማዓንጣ ከምኡ እውን ብባክቴሪያ ዝመፁ ሕማማት ስራሕቲ ምርመራ እናገበረ ይርከብ ኢሎም።
እቲ ኢንስቲትዩት፤ መድሓኒት ዝተላመደ ሕክምና ሳንቡእ ካብ 24 ኣዋርሕ ናብ 9 ኣዋርሕ ዝቕንስ ውፅኢት ምርመራ ከምዝረኸበ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ውፅኢት ምርመራ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ እንትኸውን ላንሴት ኣብ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ጆርናል ከምዝተሓተመ ኣረዲኦም።
ኣብ 1962 ዓ/ም ዝተጣየሸ ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን 395 ተመራመርቲ ኣለውዎ።