አብ ክልል ትግራይ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር መድረኽ ዘተ ኣካይዱ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/22/ 2016 /ኢዜአ/አብ ክልል ትግራይ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር "ንእዋኑ ዝምጥን ሓርበኝነት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት" ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ብመኽፈቲ መደረ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ገብረኪዳን ተስፋይ (/) ዝጀመረ እንትኸውን÷ ክልተ መዛተዪ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ ተገይሩሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝቐረቡ ፅሑፋት ዘለዎም ሕቶ፣ተወሳኺ ሓሳብ፣ ከምኡ እውን ትዕዝብቶም ከምዘቕረቡን ካብ ኣመራርሓን ማነጅመንትን እቲ ዩንቨርስቲ ምላሽን መብርሂን ከምዝተውሃበሉ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብ ዋና ቀፅሪ  ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ÷ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መንግስታዊ ኣመራርሓ፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ ዓዲግራት፣ ኣባላት ማኔጅመንት እቲ ዩንቨርስቲ፣ ከምዝተሳተፉሉ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም