ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኮምቦልቻ ብ4 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ማእኸል ዕዳጋ ተጀሚሩ


 

ደሴ/ግንቦት 22/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኮምቦልቻ 4 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ማእኸል ዕዳጋ ተጀሚሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ልዕሊ 12 ሽሕን 803 ካሬ ሜትሮ ህንፀቱ ዝተጀመረ ማእኸል ዕዳጋ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ንክበቅዕ ከምዝስራሕ እውን ተገሊፁ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ከተማን ሓላፊ ቢሮ ከተማን መሰረተ ልምዓትን እቲ ክልል ኣህመዲን መሃመድ (/) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ኢንቨስትመንት ኣብ ምንቕቓሕ እውን ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ።

ብፍላይ ድማ ከተማታት ፅሩያትን ምችዋትን ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ብምሕባር፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ዝዋፈሩ ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ናይ ምስሓብ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ቅድሚ ሕዚ መሬት ዝወሰዱ ሰብ ሃፍቲ ብምድጋፍን ብምክትታልን ብመሰረት ውዕሎም ናብ ስራሕ ንክኣትዉ እናተገበረ ምዃኑ ሓቢሮም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኮምቦልቻ ኣይተ መሃመድኣሚን የሱፍ ብግደኦም፤ ̎ሰላም እታ ከተማ ብምሕላው ስራሕቲ ምንቕቓሕ ኢንቨስትመንት እናተሳለጡ እዮም̎ ኢሎም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ህንፀት ማእኸል ዕዳጋ እውን ዓውዲ ኣገልግሎት ካብ ምንቕቃሕ ብተወሳኺ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ከምዘዕቢ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም