ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 39 ቢልዮን ብር ኣታዊ ረኺቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /22/2016 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 39 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ዳይሬክተር መምርሒ ፕላኒንግን ልምዓት ቢዝነስን እቲ ትካል ብርሃነ ገብረእግዚአብሔር፤ እቲ ትካል ኣብቲ ዞባ ብዘሎ ኩነታት ከይተምበርከኸ ፅዕነታት እታ ሃገር ከጎዓዕዝ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ እቲ ትካል ምስኡ ኮይኖም ምስ ዝሰርሑ ዓለም ለኸ ትካላት መርከብ ብምዃን 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ቶን ብምጉዕዓዝ 119 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ብመርከባት እቲ ትካል ድማ 266 ቶን ብምጉዕዓዝ 126 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም።

ነዚ ስዒቡ ኣብቶም 9 ኣዋርሕ 34 ቢልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ዝተተለመ እንትኸውን 39 ቢልዮን ብር ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም