ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 140 መንበሪ ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ጉድኣት ኣካልን ወገናት ኣረኪበን



 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 22/2016 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ̎ሕያዋይነት ተባሂሉ ኣብ ዝተሰየመ ቑሸት መንበሪ ዝተሃነፁ ክልተ በዓል 9 ደብሪ ዘበናዊ ህንፃታትን ማእኸላት መፍጠሪ ዕድላት ስራሕን ብምምራቕ 140 ነበርቲ ዓቕሚ ዘይብሎምን ጉድኣት ኣካልን  ኣረኪበን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ እቶም መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ብልሙድ ቆርቆሮ ሰፈር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝተዳኸመ መንበሪ አባይቲ ንዝነብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ጉድኣት ኣካል፣ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቓልዑን ብልምዓት ንዝተልዓሉን ነበርቲ ከምዝተውሃቡ ገሊፀን።

ኣብዚ ቁሸት በጎነት፤ ድኻም ኣዶታት ዝንክይ መፅንሒ ህፃናት፣ንኣዶታት እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ዘበናዊ መጋገሪ እንጀራ፣ዝሰርሑ ኣእዳው ምስ ስራሕ ዘራኽቡ ሳሎናት መልክዕ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ እውን ማሽናት ስፌት ክዳን ተዳሊዎም ነቶም ነበርቲ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ኣረዲአን።

ኣብቲ ቑሸት መንበሪ ገዛ ንዝተውሃቦም ምርኣይ ዝተስኣኖም ነበርቲ ኣድላይ ዝኾኑ ኬናት፣ንጉድኣት ኣካል ድማ ክራንችን ዊልቸርን ከምዝተውሃቡ እተን ከንቲባ ኣፍሊጠን።

እተን ከንቲባ፤ ምስቲ ምምሕዳር ከተማ ብምትሕብባር እቶም መንበሪ ኣባይቲ ንዝሃነፆም ግሩፕ ኢንቨስትመንት ሜድሮክ ኣመስጊነን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም