ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 274 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ማአድን ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 274 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ማአድን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/22/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 274 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ማአድን ኣፍሊጡ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር አድሚፁ።
ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)፥ ፍሪያት ማአድን ናብ ወፃኢ ብስፍሓትን ፅርየትን ንዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ክብ ምባል ኣብ ዘኽእሉ ጠመተ ብምሃብ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ብኩባኒያታት 2 ነጥቢ 414 ቶን፣ ብባህላዊ 0 ነጥቢ 609 ቶን ብሓፈሻ 3 ነጥብ 023 ቶን ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንክ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ 274 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።