ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 274 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ማአድን  ኣፍሊጡ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/22/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 274 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ማአድን ኣፍሊጡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር አድሚፁ

ሚኒስትር ዕደና ሃብታሙ ተገኝ (/) ፍሪያት ማአድን ናብ ወፃኢ ብስፍሓትን ፅርየትን ንዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ክብ ምባል ኣብ ዘኽእሉ ጠመተ ብምሃብ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብኩባኒያታት 2 ነጥቢ 414 ቶን፣ ብባህላዊ 0 ነጥቢ 609 ቶን ብሓፈሻ 3 ነጥብ 023 ቶን ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንክ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ 274 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም