ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ፍሉይን ታሪኻውን ዕድል ሒዙ ዝመፀ እዩ





 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 22/2016 (ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ፍሉይን ታሪኻውን ዕድል ሒዙ ዝመፀ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምዕራፍ ምኽክር ምትእኽኻብ ዛዕባ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዕራፍ ምኽክር ምትእኽኻብ ዛዕባ ትማሊ ምጅማሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ምኽክር፤ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ወኪሎም ከካብ ወረድኡ ዝተመረፁ ተወከልቲ፣ተወከልቲ ማሕበራትን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ተወከልቲ ውድባት ፖለቲካ፣ካብ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ትካላትን ፅልዋ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኢዜኣ ካብ ዘዘራረቦም ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ወይዘሮ ማርታ ሁንዴን ኣይተ ግርማ ሙላትን፤ እዚ ምኽክር ጠንካራ መሰረት ዘላቒ ሰላምን ህልውና ሃገርን ዝቕመጠሉ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ፍሉይን ታሪኻውን ዕድል ሒዙ ከምዝመፀ እውን ሓቢሮም።

ካልኦት ተወካልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣይተ ሙዘሚል ጀማልን ወይዘሮ ማርታን ብግደኦም፤ እቲ ምኽክር ሒዝዎ ዝመፀ ሰናይ ኣጋጣሚ ምጥቃም ናይ ኩላትና ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ምዕራፍ ምኽክር ክሳብ 27 ግንቦት 2016 / ዝፀንሕ እንትኸውን ኣብ ካልኦት ከባብታት እውን ክቕፅል እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም