ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ መሰረተ ልምዓትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓብይ ግደ እናተፃወተ እዩ-ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 22/2016 (ኢዜኣ) ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓብይ ግደ እናተፃወተ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ "ቢግ 5 ኮንስትራክት ኢትዮጵያ 2024" ዝተብሃለ ዓውደ ርእይን ሲምፖዜምን ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኔም ሎሚ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ ̎ኢትዮጵያ ንህነፅ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርእይ፤ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፣ካልኦት ሚኒስትራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓብይ ግደ እናተፃወተ እዩ።

ብመሰረት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ህንፀታት መንገዲ፣ባቡርን ዞባታት ፍሉይ ኢኮኖሚን ትኹረት ከምዝተውሃቦም ብምግላፅ፤ መንግስቲ እቲ ዓውዲ ንምዕባይን ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ዝተባባዕ ምህዳር እናፈጠረ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ ዓውዲ በቢ ዓመቱ ልዕሊ 8 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብልፅግና ሃገር ኣብ ምዕዋት ዓብይ እጃም ከምዝህልዎ እውን ገሊፆም።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ብግደአን፤ ንህንፀት ኢኮኖሚ ሃገር ርኡይ ግደ ዘበርክት ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንምዕባይ ዝተዋደደ ስራሕ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን እቲ ዓውደ ርእይ ኩባንያታት ውሽጢ ሃገር ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምፍላጥን ምትእስሳር ብምፍጣርን ተሞኩሮ ንክቐስሙ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 24 ግንቦት 2016 / ዝካየድ ዓውደ ርእይ፤ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኖም ዘዳለውዎ እዩ።

 ኣብዚ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵ ዝካየድ ዘሎ ኣውደ ርእይ፤ ካብ ኢትዮጵያ፣ ጀርመን፣ ጣሊያን፣ ተርክዬ፣ ቻይና፣ ሕንድ፣ ሳዑዲ ኣረቢያ፣ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ እንግሊዝ፣ አልጄሪያ፣ ኦማንን ኳታርን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 150 ኩባንያታት ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ሒዞም ክቀርቡ እዮም።

ካብዚኣቶም እቶም 41 ሃገር ቦቆል ኩባንያታት እዮም ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም