ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲግራት ዝህነፁ ዘለው ፕሮጀክትታት ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ንኽዛዘሙ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/22/2016/ኢዜአ/- ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብልዕሊ 388 ሚልዮን ብር ወፃኢ እናተሃነፁ ዝርከቡ ዝተፈላላዩ ፕሮጀክትታት ቕድሚ ክረምቲ ምእታዉ ንምዝዛም ይስራሕ ከምዘሎ ስራሕ መካየዲ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድግራት መምህር ወልደገብሪኤል ሓጎስ ገሊፆም።

ዛጊድ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ከተማ ዓድግራት ብዝተትሓዘሎም ጊዜ ሰሌዳ ቅድሚ ክረምቲ ምእታው ንክውገኑን ብፅሬት ንክሳለጡን ልምዓት ኮሚቴ፣ ናይታ ከተማ ነበርትን ሰብሞያን እናተናበቡ ይሰርሑ ከምዘለው ወሲኾም ገሊፆም። ብመሰረት እዚ እቶም ዝህነፁ ዘለው መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕ ፀፀር መንገዲ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ፣ ህንፀት መሰጋገሪ ድልድል፣ መእለዪ ውሕጅን ካልኦትን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ተወካሊ ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ኣይተ ኣርኣያ ካሕሳይ ገሊፆም።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣብቶም ይሳለጡ ዘለው ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ከይዲ ህንፀቶም ብወረዳ ኣመራርሓን ቴክኒክ ኮሚቴን ዑደት ተኻይዱ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ብሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኣብታ ከተማ ዝሳለጥ ዘሎ ህንፀት ሓደ ነጥቢ ክልተ ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ኣስፋልት ስራሕቱ ምዝሕሓል ስለ ዝነበሮ ሱር ኮንስትራክሽን ምስ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣብ ቀረባ እዋን ዘተ ብምግባር ክመሓየሹ ዝግበኦም ውዕልታት ብምምሕያሽ ብዝተትሓዘሉ ጊዜ ሰሌዳ ንምዝዛም ኣብ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ ድማ መምህር ወልደገብርኤል ኣብሪሆም።

ብካሊእ ዜና ቤት ፅሕፈት ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዙርያ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣመልኪቱ ስልጠና ሂቡ። ኣብቲ መድረኽ መዕበይ ግንዛበ ረብሓ፣ ጠለብን ኣፈፃፅማን ሓገዝ ሴፍትኔት ኣመልኪቱ ንተጠቀምትን ፈፀምቲ እቲ ስራሕን ዝተወሃበ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ከተማ ዓዲግራት ቐሺ በሪሁ ሓዱሽ ኣብታ ከተማ 811 ስድራ ተጠቀምቲ ልምዓታዊ ሴፍትነት ከምዘለውን ዛጊድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ብቀጥታ ሓገዝ ከምዝተገበረሎምን ኣብሪሆም።

ምርግጋፅ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት፣ምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይን ምቁፅፃር ሓሽሽን ብልዑል ትኹረት ክስረሓሎም ከምዝግባእ ድማ ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም። ሰልጠንቲ ብወገኖም እቲ ስልጠና ዓቕሚ ከም ዝፈጠረሎምን ኣብ ምርግጋፅ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣሓይሎም ከምዝሰርሑን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም