ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ልዕሊ 540 ሽሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልስታት ይዳለዉ ምህላዎም ተሓቢሩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/22/2016/ኢዜአ/   ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ንዝኸውን 540 ሽሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልስታት ይዳለዉ ምህላዎም ክኢላ ልምዓት ደኒ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ሃይላይ መዝገበ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ርኡይ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ሕፅረት ግንዛበን በቲ ዘጋጠመ ኩናትን ስዒቡ፣ ኣብ ልዕሊ ኣግራባት ብዙሕ ብርሰት ከም ዝበፅሐን ነዚ ብርሰት ንምዕጋትን ንዝበረሱ ድማ ናብ ንቡር ንምምላስን ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ምህላው ኣይተ ሃይላይ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ 23 ጣብያታት ወረዳ ሓውዜን፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 . ንዝካየድ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝውዕሉ፣ ልዕሊ 540 ሽሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልስታት፣ ኣብ 3 መፍለሲ ጣብያታት፣ ኣብ 120 መደብ ግቡእ ክንክን እናተገበረሎም ከም ዝርከቡ ወሲኾም ሓቢሮም

ኣብዚ ዓመት ኣብታ ወረዳ፣ ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምርግጋፅ፣ ሓምለዋይ ከባቢ ንምፍጣርን ድርቂ ዝፃወር ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዝዓለመ ወፍሪ ተኸላ ንምክያድ መደብ ከምዘሎን፣ በዚ መስርሕ ኣብ ልዕሊ 350 ሄክታር መሬት ተኸላ ከም ዝካየድን ኣይተ ሃይላይ መዝገበ ኣብሪሆም

ብርሰት ኣግራብ ንምዕጋትን ንምቁፅፃርን ሽዱሽተ መቆፃፀሪ ኬላታት ተዘርጊሖም ክትትልን ቁፅፅርን ይካየድ ምህላው ዝገለፁ ኪኢላ ልምዓት ደኒ እታ ወረዳ ኣይተ ሃይላይ ፣ብኣውርኡ ግና ሕብረተሰብ ትንፋሱን ህልውንኡን ዝኾኑ ኣግራባት ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ግቡእ ክንክንን ሓለዋን ገይሩ ዋሕስ ክኾኖም ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም