ሃፍትታት ብኣግባቡ ብምጥቃም ካብ ተፀባይነት ናፃ ንምውፃእ ክስራሕ ኣለዎ-ርእሰ ምምሕዳር ኦርዲን በድሪ


 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /22/2016 (ኢዜኣ) ሃፍትታት ብኣግባቡ ብምጥቃም ካብ ተፀባይነት ናፃ  ንምውፃእ ክስራሕ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ሃረሪ ̎ካብ ተፀባይነት ናብ መፍረያይነት፤ ንዝተማልአ ሃገራዊ ልኣላዊነትን ክብርን̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ክልል ካብ ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነት ሓራ ንምውፃእ ዝጠመተ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ጌቱ ወዬሳን ሓዊሱ ላዕለዎትን ማእኸለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ተረኺቦም።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብዚ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ካብ ተመፅዋታይነትን ልመናን ሓራ ምውፃእ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ እዩ።

ካብ ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነት ሓራ ከይወፁ ልኣላዊነትን ብሄራዊ ክብርን ብሙሉእ ምውናን ከምዘይከኣል ብምሕባር ነዚ እውን ብቆራፅነት ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ዘለውና ዕቑር ሃፍትታት ብኣግባቡ ኣዋዲድካ ብምጥቃም ቁፅሪ ተመፅወትቲ ምቕናስ ኣብ ከይዲ እውን ሙሉእ ንሙሉእ ሓራ ምውፃእ የድሊ ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ብሕታዊ መፍትሒ መፍረያይነት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ምዕባይ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ብግደኦም፤ እቲ ፓርቲ ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነት ከም ሃገር ክፈጥሮ ዝኽእል ቅልውላው ብምርዳእ እዚ ንምፍታሕ ሰፋሕቲ ስጉምትታት እናወሰደ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ መፍረያይነት ብምዕባይ ዘላቒ ዕልባት ንምምፃእ ከም ትሩፋት ሌማት ዝበሉ ሃገራዊ ወፍርታት ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ከምዘመዝገቡ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም