ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝመፁ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓሳባት ኣጀንዳ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ ይቕፅል ኣሎ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/22/ 2016 /ኢዜአ/ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝመፁ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓሳባት ኣጀንዳ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ ሃገራዊ ኮሚሽን  ኢትዮጵያ  ምዕራፍ ልዝብ ሎሚ እውን አብ ከተማ አዲስ አበባ ይቕፅል ኣሎ።

ካብ ትማሊ 21 ገንቦት 2016 . ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ተሳተፍቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ብጉጅለ ብምዃን ካብ ዝወከልዎ ማሕበረሰብ ብሕድሪ ተረኪቦም ዘምፅእዎም ሓሳባት ኣጀንዳ ዘተ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብቲ ከይዲ ክፋላት ሕብረተሰብ ናትና ዝብልዎን ዝተስማዕምዑሉን ሓሳብ ኣጀንዳ ብምዝዛም ነቲ ኮሚሽን ብቃለ ጉባኤ ከቲሞም ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዞም ሓሳባት ኣጀንዳ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣብ ዝህልዉ መድረኻት ብተወከልቶም ኣቢሎም ዝወሃቡ ክህልዉ ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝህሉ መርሃ ግብሪታት ተሳተፍቲ ኣብ ዝቕፅሉ ምዕራፋት ዘተ ዝውክልዎም 121 ተወከልቲ ብምምራፅ ንዝቕፅሉ ምዕራፋት ዘተ ክዳለዉ ኢዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም