አብ ኢትዮጵያ ጥዐና አዴታትን ህፃናትን ብምምሕያሽ ሞት ብምንካይ ተማሓላለፍቲ ንዝኾኑ ሕማማት ድማ ብምክልኻል ዘዕግብ ውፂኢት ተመዝጊቡ-ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ



 

አዲስ አበባ/ ግንቦት/ 22/2016/ኢዜአ/ አብ ኢትዮጵያ ጥዕና አዴታትን ህፃናትን ብምምሕያሽ ሞት ብምንካይን ተማሓላለፍቲ ንዝኾኑ ሕማማት ድማ ብምክልኻልን ዘዕግብ ውፂኢት ከምተረኸበ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቤተሰብ ማእኸል ብምግባር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጥዕና ብፍላይ ኣብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ኣብ ገፀርን ርሕቕ ኣብ ዝበሉ ከባታትን ንዘለዉ ዜጋታት ሓዊሱ ግንዘበ ብምፍጣርን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ብምቕራብ አዎንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕናን ንምቕራብ ሓገዝ ንኽግበር ዝገለፃ  እተን ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕናን ብዝተማለአ መልክዑ ንምቕራብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ዝምልከቶም መሓዙትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ እናተኻየደ ብዘሎ መበል 77 ጉባኤ ጥዕና ዓለም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥዕና ኣመልኪታ መግለፂ ኣቕሪባ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና / መቅደስ ዳባ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ኣገልግሎት ጥዕና ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ከምትኣምን ገሊፀን፡፡

ዓለም ለኸ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ኩሉ ክገድፎ ኣይግባእን ብምባል፤ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣፈላላይን ዶብ እንተይዓገቶ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ብፍላይ ኣብ ምምሕያሽን ምንካይን ሞት ኣዴታትን ህፃናፃ፣ ኮቪድ- 19 ሓዊሱ ተመሓላለ ዝኾኑ ሕማማት ኣብ ምክልኻን ምቁፅፃርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ቀሊል ዘይበሃል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪበን፡፡

ሓደጋታት ጥዕና ዝፃወርን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ጥንኩር ስርዓት ጥዕና ንኽህነፅ ሕዚ እውን ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ምግላፀን እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መሓዙት ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም