ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኒውዝላንድ ዘትዮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 21/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኒውዝላንድ ዊኒስተን ፒተር ብስልኪ ዘትዮም።

እቲ ዘተ፤ ኣብ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምትሕብባርን ሓባራዊ ድሌት መሰረት ኣብ ዝገበሩ ክልቲኣዊን ኣህጉራውን ጉዳያትን ከምኡ እውን ኣብ ሰብኣዊ ዛዕባታት ዝጠመተ ከምዝነበረ ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም