ኤግዚቢሽን ፍርያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ካብ 15 ሰነ ጀሚሩ ክሳለጥ 'ዩ

 

አዲስ አበባ/ግንቦት/21/2016/ኢዜአ/ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ኤግዚቢሽን ፍርያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ጥዕናና ብፍርያትና ብዝብል ቴማ ካብ 15 ክሳብ 20 ሰነ 2016 . ኣብ ሚሊንየም ኣዳራሽ ከምዝሳለጥ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ወይዘሮ ፍሬህይወት ኣበበ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ መንግስቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣፍረይቲ ብምድጋፍ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ሰፊሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ።

ዕላማ እቲ ብሚኒስቴር ጥዕና ዝተዳለወ ኤግዚቢሽን ፍርያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝርከቡ እታዎት ሕክምና ንዘፍርዩ ንምድጋፍ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ኤግዚቢሽን ልዕሊ 150 ዝኾኑ ኣፍረይትን ፖሊሲ መውፃእትን ዝሳተፉ እንትኸውን ንናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ምትእስሳር ዝምከረሉን ኣብቲ ዘፈር ዘለዉ ፀጋታትን ዕንቅፋታትን ዙርያ ዝምከረሉ መርሃ ግብሪ ከምዝኸውን 'ውን ኣፍሊጠን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም