ምልኣተ-ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ምክያድ ጀሚሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/21/ 2016 /ኢዜአ/ምልኣተ-ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምክያድ ጀሚሩ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ካብ ኦርቶዶክሳዊ ቀኖናን ስርዓትን ብዝወፅአ መልክዑ ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ኣብ ሰላምን ሓድነትን ቤተክርስቲያን ሓደጋ ከምዘንፀላለዉ ገሊፆም።

ፀገማት ብዘተን ብጥበብን ከምኡ እውን ብሕጊ ምእራም ግቡእ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።

ንሓበራዊ ፀገማት ሓበራዊ መፍትሒ ንመሃብ ሓድነትን ሰላምን ሸቶ ብምግባር ሕጊን ስርዓትን ዝተኸተለ ልዝብን ዘተን ምግባር ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንን ሃገር በቢእዋኑ ዝተፈላለዩ ፀገማት እናጋጠሙ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

በደል ብኻሕሳን ብዕርቂን፣ ብይቕረታን ብምሕረትን ብምዕፃው ተመሳሳሊ በደል ከይፍፀም ዘተኣማምን ትካላዊ ስርዓት ምስንዳአ ይግባእ እውን ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ኣብዚ ጉዳይ ብስፍሓትን ብዕመቆትን ብምዝታይ ንኹሉ ዘሳማምዕን ናብ ሰላምን ዕርቂን ዘብፅሕ ስራሕ ክሰርሕ ከምዝግበኦ አገንዚቦም ፡፡

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ጉባኤ የካይድ።

እቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝግበር እንትኸውን÷ ካልኣይ ጉባኤ ርክበ ካህናት ድማ በዓል ትንሳኤ ምስ ወዓለ ኣብ ዘሎ ፍርቂ ሓምሳ ኣብ ዕለተ ረቡዕ ዝካየድ ኢዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም