“ብዝሰኸነን ዝተረጋግአን ኩነታት ብምምኽኻር ናብ ምርድዳእ ምብፃሕ መማረፂ ዘይብሉ ብሕታዊ ሃገራዊ ፍታሕ 'ዩ” -ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ

 

አዲስ አበባ/ግንቦት/21/2016/ኢዜአ/ ብዝሰኸነን ዝተረጋግአን ኩነታት ብምምኽኻር ናብ ምርድዳእ ምብፃሕ መማረፂ ዘይብሉ ብሕታዊ ሃገራዊ ፍታሕ ' ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ተዛሪቦም።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምዕራፍ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ከምዝተዛረብዎ ብዝሰኸነን ዝተረጋግአን ኩነታት ብምምኽኻር ናብ ምርድዳእ ምብፃሕ መማረፂ ዘይብሉ ብሕታዊ ሃገራዊ ፍታሕ 'ዩ።

ኣዲስ ኣበባ ካብ በቢመኣዝኑ ዝመፅኡ ህዝብታት ብሓባር ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብቶም ዝቕፅሉ ብዝግበር ምኽክር ንጎረባብቲ ሃገራትን ኣፍሪካን ንምርኣይ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣርባዕተ ምዕራፍ ከፋፊሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ሕዚ ሳልሳይ ምዕራፍ ናብ ዝኾነ እናተሳጋገረ ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ናይ ሎማዓንቲ መርሃ ግብሪ ብምኽክር ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ኸይዲ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

እቲ ኸይዲ ንውፅኢታውነት እቲ ኣብ ቐፃሊ ዝካየድ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ቑልፊ ተራ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም