ሎሚ አብ ዝካየድ ምዕራፍ ልዝብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝትግብርዎም ስነ ስርዓታት - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ አብ ዝካየድ ምዕራፍ ልዝብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝትግብርዎም ስነ ስርዓታት
ስነ-ስርዓታት እቲ ኣኼባ
1. ዝኾነ ይኹን ተሳታፊ ብነፃነት ሓሳቡ ናይ ምግላፅ መሰል ኣለዎ። ይኹን እንበር ንተሳተፍቲ ካብ ፅልኣትን ፃሕታሪን ዘረባ ምቑጣብ
2. ኣብ እዋን ልዝብ ንምድምማፅ ካብ ዝህውኹ፣ ህውከት ካብ ዘበግሱን ምርግጋዕ ካብ ዝኸልኡን ተግባራት ምቑጣብ
3. ብፅሑፍ፣ ብምስሊ ይኹን ድምፂ ምስ ኣብ ጎንኻ ዘሎ ዝርርብ ዘይምግባርን ካብ ተሳተፍቲ ዝቐርቡ ሓሳባት ብኽብሪን ፅሞናን ምድማፅ
4. ሕድ ሕድ ተሳታፊ ዝህቦ ሓሳብን ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦን ምኽባር፣ ብቕንዕናን ትዕግስቲን ምድማፅ
5. ካሊእ ተሳታፊ ዘቕረቦ ሓሳብ ናይ ምድጋፍ ወይ ምቅዋም ኩነታት እንትህሉ መሰል ካልኦት ተሳተፍቲ ብዘኽብር መገዲ ምቕራብ
6. ተሳታፊ ዕድል ተዋሂቡዎ ሓሳቡ ኣብ ምግላፅ እንተሎ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዘይምቁራፅ
7. ክብሪ ሰብ ካብ ዝነኽኡ ነቕፌታታት፣ ዘለፋታት፥ ስብእና ካብ ዝነኽኡ ዘረባታትን ተግባራትን ምቑጣብ
8. ሰባት ኣብ ዘቕርብዎ ሓሳብን ኣተሓሳስባን እንተዘይተስማሚዕኻ እውን ሓሳቦምን ኣተሓሳስበኦምን ምኽባር
9. ዝወሃብ ሓሳብ ኣብ ቕኑዕ ሉቦና ዝድረኽ ኾይኑ ምስ ኣጀንዳ እቲ ዘተ ኣግባብነት ዘለዎ ሓፂር፣ ግልፂን ዘይተደገመን፣ ዝተፈቐደ ግዘ ብዘኽበረ መገዲ ምግላፅ
10. ኣብቲ ከይዲ ግልፂ ዘይኮኑ ዛዕባታት እንተጋጥሙ መብርሂ ንክወሃብ ምሕታት ዝብሉ ኢዮም።